Statement from the Tigray Peace and Security Bureau!!

ካብ ቢሮ ሰላም ፀጥታን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ!!

ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት መዓልታት ንብሄራዊ ረብሓን ንኹሎም ሉኣላዊ ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ መሰረት ገይሮም ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ ተመስሪቶም፣ ብዕለት 14/05/2017 ዓ/ም ናይ ቅዋም መግለፂ ከም ዘውፅኡ ይፍለጥ። እቲ ዝወፀ መግለፂ ግልፅን ዘየሻምን ኮይኑ እናሃለወ ገለ ኣካላትን ውልቀ ሰባትን ንትኽክለኛ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ንጎኒ ብምግዳፍ ነናብ ናቶም ባህግን ድሌትን እናወጣጠጡ ካሊእ ዘይራኸብን ምንም ምትእስሳር ዘይብሉን ትርጉማት እናሃቡዎ ይርከቡ። ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘውፅኡዎን ዝሓዙዎን ቅዋም መሰረት ዝገበረ ናይ ድጋፍ ኮነ ተቓውሞ ሰልፊ ኣይደልዩሉ ኣይፈቕዱሉ። ኮይኑ ግና እዞም ኣካላት ነቲ መግለፂ ዘይትርጉሙ ትርጉም ካብ ምሃብ ሰጊሮም ብሽም ድጋፍን ተቓውሞን ናብ ህውከትን ዕግርግርን ዘምርሑ ግጉያትን ዝተዛብዑን መለዓዓልቲ መልእኽትታት ክዝርግሑ ንሪኦም ኣለና።

እዚ ብሽም ዝተፈላለዩ ውዳበታት ተሸፊኑ ብገለ ውልቀ ሰባትን ኣካላትን ዝወሃብን ዝዝርጋሕን ዘሎ ንቕዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ዝፃባእ ሓደገኛ መልእኽትታት ስለ ዝኾነ ብህፁፅ ክእረም ኣለዎ። በዞም ግጉያት ምልዕዓላት ኣቢሎም ንህዝብና ናብ ህውከት፣ ዕግርግርን ስርዓት ኣልቦነትን ንምእታው ዝህንደዱ ዘለዉ ኣካላት ድማ ናብ ቀልቦም ክምለሱን ዝኾነ ይኹን ዘይሕጋዊ ተግባር ካብ ምፍፃም ክቑጠቡን ይግባእ።

ስለ ዝኾነ ድማ ካብዚ ተበጊስካ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ምውዳብን ምክያድን፣መንግስታዊ ግልጋሎታት ደው ምባልን ምትእጉጓልን፣ መንገድታት ዓፂኻ ካብን ናብን ዝግበር ምንቅስቓስ ምህዋኽን ምትዕንቓፍን ኮታስ ሓይሊ ተጠቒምካ ድሌትካ ንምፍፃም ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስን ምሽብሻብን ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መበገሲ ዘይብሉን ናይ ዝምልከቶ ኣካል ኣፍልጦ ወይ ፍቓድ ዘይረኸበን ምዃኑ እናገለፅና፣
-ብቐዳምነት ህዝብና ካብዚ ኢደወነናውን ስርዓት ኣልቦነትን ዘስፍን ኣካይዳ ንባዕሉ ከርሕቕ
-ብካልኣይ ደረጃ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንዝኣትዉ ወይ ድማ ክኣትዉ ኣብ ምድላው ንዘለዉ ክግስፅን ክመክርን
-ሳልሳይ ንምኽሩን ተግሳፁን ጥሒሶም ኣብ ምስፋን ህውከትን ዕግርግርን ኣትዮም ንዝርከቡ ድማ ክኹንን ፃውዒትና ነቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ነዚ ዝቐርብ ዘሎ ለበዋን ዝውሃብ ዘሎ ሓበሬታን ንጎኒ ብምግዳፍ ኮነ ኢሎም ብሽም ድጋፍን ተቓውሞን ኣብ ናይ ጥፍኣት ምንቅስቓስ ኣትዮም ንዝርከቡ ይኹን ብድሕሪት ኮይኖም ነቲ ከይዲ ዝመርሑን ዘተሓባብሩን ወገናት ንድሕንነት ህዝብናን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትናን ምውሓስ ክበሃል ኣብ እዋኑ ዘየዳግም ስጉምቲ ከም እንወስድ ብጥብቂ ነተሓሳስብ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *