ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ናዕዴር ልዕሊ 57 ኪሎ ሜትር ምስ ጣብያታት ዘራኽብን ወሽጣ ዉሽጢን ፀፀር መንገዲ ፅገናን ሓዱሽ ቆረፃ መንገዲ ብጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ከምዝተሰርሐሎም ኣመራርሓን ነበርትን እታ ወረዳ ገሊፆም

ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ናዕዴር ልዕሊ 57 ኪሎ ሜትር ምስ ጣብያታት ዘራኽብን ወሽጣ ዉሽጢን ፀፀር መንገዲ ፅገናን ሓዱሽ ቆረፃ መንገዲ ብጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ከምዝተሰርሐሎም ኣመራርሓን ነበርትን እታ ወረዳ ገሊፆም

ወረዳ ናዕዴ ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ፅንተት እንትእዉጁ ኣብ ፈለማታት ብጅምላ ጨፍጫፍ ካብ ዝተኻየደሎም ከባብታት ሓደ እዩ ወረዳ ናዕዴር:: ብፍላይ ኣብ ማሕበረ ዴጎ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ይትረፍ ዉነ ንዘለዎ ሰብ ካብ ሕልና ህፃናት እዉን ዘይወፅእ ፍፃመ ኾይኑ በዚን ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ዝተፈፀሙ ጅምላዊ ጨፍጫፋት ድማ መንእሰይ ትግራይ ሓሪኑ ናብ በረኻ ዝወፀ ማእለያ ኣይብሉን:: በረኻ ወፂኡ ድማ ምስ ሰብ ሰለስተ ምዕራፍ ኣያታቱ ሰሚሩ ዓለም ዝመስከሮ ጀግንነት ሰሪሑ ነታ ሐዚ ተረኺባ ዘላ ጭላንጭል ሰላም ክትርከብ ኣኽኢሉ እዩ :: እዚ ፅንዓትን ህዝባዉነትን መለለይኡ ጅግና ሰራዊት ድሕሪ ዉዕሊ ስምምዕነት ተፃብኦ ደው ምባል ፕሪቶርያ እዉን ነቲ ኩለ መንኡ ዝሃቦ ህዝቢ ንምሕጋዝ ቀትርን ለይትን ይሰርሕ እዩ ዘሎ:: ናይዚ መርኣያ ድማ ኣብ ወረዳ ናዕዴር ካሕሳ ስዉኣት ዝድበሰሉ ጉዕዞ ብማእኸል ክፍሊ መሃንዲስን (ዶዘር፣ግሬደር፣ሩሎ፣ ሻወር ትራክን ሲኖን) ኣርሚ 35 ኣርሚ 42ንን 44ንን ብምድማር ሃፍቲ ካብ ሕብረተሰብ ብምትእክኻብ ልዕሊ 57 ኪሎሜትር ፅገናን ሓዱሽ ቆረፃ ፀፀር መንገዲ ከምዝተሰርሐ ኣማሓዳረ ወረዳ ናዕዴር ኣይተ ነጋሲ ፍፁም ገሊፆም::

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህንፃ ምምሕዳርን መጓዓዝያን እታ ወረዳ መምህር ኣማረ ኣብርሃ ብወገኖም እቶም ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ኣብታ ወረዳ ዝነበረ ሰፊሕ ናይ መጓዓዝያ ፀገም ብናይ መንግስቲ ዓቕሚ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ነባራይን ተወላዳይ እቲ ከባብን ብምልዕዓል ዝሰርሕዎ ስራሕቲ ፅገናን ቆረፃን ፀፀር መንገዲ ፀገም ሕብረተሰብ ከቃልል ከምዝኻኣለን ሕብረተሰብን ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላትን ካብ መዳውብቲ ጣብያታት እታ ወረዳ ሓዊሱ ትርጉም ዘለዎ ሃፍቲ ክረኽቡ ከምዝኸኣሉን እቲ ስራሕ ብዕዉት መንገዲ ክሰላሰል ከም ዝኸኣለን ገሊፆም::

ነበርቲ ወረዳ ናዕዴር ዝኾኑ ቀሺ ካሕሳይ ወልደግብሪኤል፤ ወ\ሮ ኪሮስ ገ\መድህንን ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነን ሰራዊት ትግራይ መቐፀልታ ካብ ጓጓ ፀላእቲ ኣዉፂኡ ዋግዋጎ ብርሃን ዘርኣዮም ሐዚ ዉን ዝነበሮም ናይ መጓዓዝያ ፀገም ንምቕራፍ ብጉልበቱን ብማተርያልን ብምሕጋዝ ኣብታ ወረዳ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ ፀገም ክቃለለሎም ከም ዝኸኣለ ገሊፆም::

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *