ኣብ ከተማ መኾኒ ዝተዋደደ ስራሕቲ ፀጥታ ብምክያዱ ዝተባብዑ ለውጥታት ይረአዩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።
ፀጥታ ከተማ መኾኒ ውሑስ ንምግባር ኣመራርሓ ፀጥታ፣ ዝተወደቡ መእሰይን ካልኦትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣንፈት ፀጥታን ሓለዋን ንምንፃር ዝዓለመ መድረኽ ኣብ ዘካየዱሉ እዋን ኣብቲ ከተማ ሳላ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ለውጥታት ይረአዩ ከም ዘለዉ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ከተማ መኾኒ ሓቢሩ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ከተማ መኾኒ ኣይተ ሓለፎም ኣብርሃ ከም ዝበሉዎ እቲ ቤት ፅሕፈት ፣ መደባቱ ንምግምጋም ዝፀወዐዖ መድረኽ እንትኾን ኣብቲ መድረኽ ኣብ ገበን ስግኣት ገበንን ብንፅፅር ለውጢ ከም ዘሎ ከምዝተገምገመ ኣብሪሆም።
እቲ መድረኽ ንኽካየድ ፃዕሪ ንዝገበሩ ዘመስገኑ እቶም ሓላፊ ፣ለውጢ ኣሎ እንትበሃል ግና ገና መሊእና ዘይሰራሕናዮም ስራሕቲ ፀጥታ ምህላዎም ክንዝንግዕ የብልናን ክብሉ ኣገንዚቦም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምልሻ ኣይተ መረሳ ባይሩ ብግደኦም ፣ ኣብ ፀጥታ ናተይነት ተሰሚዑካን ዓርስኻ ብምኽኣል ሓላፍነት ወሲድካን ኣብ ምምራሕ ፣ትካላውነት ተኸቲልካ ኣብ ምንቅስቓስ ዝተጀማመሩ ኣለዉ።
ከምኡ እውን ምስ መሓውርኻ ዘሎ ርክባትን ፅቡቕን ድኹምን ስራሕቲ ፈሊኻ ኣብ ምግምጋም ዘሎ ኣካይዳታትን ደሓን እዩ፤ እንተኾነ ግና ኣብ ኩሎም ሙሉእነት ዘይብሎምን ዝጎዳድሉ ነገራት ስለዘለዉ ከምዚ ዝበሉ መድረኻት እናተዳለዉን እናተገምገሙን ፀጥታኣ ውሑስ ዝኾነት ከተማ ክትህሉ ኣብ ምግባር ኩሉ እጃሙ ከበርክት ይግባእ ኢሎም።
ከንቲባ ከተማ መኾኒ ኣይተ ረዳኢ ብርሃኑ፣ ዝተወደበ ዓቕሚ ሕብረተሰብ ሒዝካ ዲሞክራስዊ ብዝኾነ ኣካይዳ ናይ ምርድዳእን መሪሕነትን ተግባር ዓሪፍዎ እቶም ቅድሚ ሐዚ ዘይተፈፀሙን ዘይሰራሕናዮም ተግባራት ካብ ዝነበረና ክፍተት ተበጊስና ከተማና ብናይ ፀጥታን ሰላምን ውሕስንኣ ዝሓሸት እናኾነት ዘላትሉን ህዝብና ውን ናብ ዝወፍረሉ ዓውደ ስራሑ ብዘይ ምንም ስግኣት ዝንቀሳቐሰሉን ሃዋህው ክነጠናኽሮ ኣለና ይብሉ።
ጥምረት ፀጥታ ዝበሃል ብከንቲባ ዝምራሕ ጉጀለ ከም ዘሎ ዝሓበሩ እቶም ከንቲባ ፣ኣብቲ ከተማ ዘለዉ ሕድሕድ ምንቅስቓሳት ብምክትታል ኣብ ውሑስ ፀጥታ ብምምስራት ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅ ርብርብ የድሊ ክብሉ ተዛሪቦም።
ተሳተፍቲ ብወገኖም ፣ኣብ ፀጥታ ገለ ለውጥታት ይረአዩ ኣለዉ። እዚ ድማ ሳላ ዝተወደ ምንቅስቓስ ብምዃኑ ተጠናኺሩ ክኸይድ ፃዕሪ ኩላትና ክሕወሶ ይግባእ እንተኾነ ንምልሻ ዝወሃብ ትኹረት ዝነኣሰ ብምዃኑ ንቐፃሊ ቆላሕታ ክግበረሉ ይግባእ ክብሉ ተላብዮም ከም ፀብፃብ ሓበሬታን ርክብን ከተማ መኾኒ።