
ብገበን ቅትለት ሓበን የማነ ዝተኸሰሰ ዳዊት ዘርኡ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ እስራት ክቕፃዕ ተወሲኑ ።
ጉዳይ ገበን ቅትለት ሓበን የማነ ክከታተል ዝፀንሐ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ሎሚ 28 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ የማን ፀጋም ተኸራኸርቲ ወገናት ብምስማዕ ተኸሳሲ ዳዊት ዘርኡ ኣብ ልዕሊ ፍቅረኝኡ መዋቲት ሓበን የማነ ካብ ቅንኢ ዝተበገሰ ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላታ 8 ግዘ ብኻራ ብምውጋእ ብተወሳኺ እውን ብጁስ መስተዪ ብርጭቆ ኣብርእሳ ብምውቃዕ ግፍዓውን መስካሕክሕን ብዝኾነ መንገዲ ከምዝቐተላ ኣረጋጊፁ እዩ።
በዚ መሰረት ሎሚ ተሰይሙ ዘርፈደ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ብገበን መቕፅዒ ሕጊ 539(1)ሀ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ እስራት ክቕፃዕ ወሲኑ ኣሎ።
ፍልፍል ዜና: ድወት