ብኣባላት ሰራዊት ትግራይ ዝተሰርሐሎም ልዕሊ 58 ኪሎ ሜትር ፀፀር መንገዲ ኣብ ማሕበረ ኢኮኖሚ ዝላዓለ ረብሓ ፈጢሩልና ክብሉ ነበርትን ምምሕዳርን ወረዳ ኣሕስኣ ገሊፆም

ብኣባላት ሰራዊት ትግራይ ዝተሰርሐሎም ልዕሊ 58 ኪሎ ሜትር ፀፀር መንገዲ ኣብ ማሕበረ ኢኮኖሚ ዝላዓለ ረብሓ ፈጢሩልና ክብሉ ነበርትን ምምሕዳርን ወረዳ ኣሕስኣ ገሊፆም

ኣብታ ወረዳ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ምስ ሰራዊት ትግራይ ዝስርሑ ዘለዉ ፅገናን ሓዱሽ ቆረፃ ፀፀር መንገዲ ንኽዛዘሙ ድማ ልዑል ተሳትፎ መንግስቲ እዉን ከምዝጠልብ እቶም ነበርትን ምምሕዳርን እታ ወረዳ ወሲኾም ገሊፆም
8 ጣብያታት ሓቚፋ ካብ ትጣየሽ ነዊሕ ዘይገበረት ወረዳ ኣሕስኣ ኩናት ፅንተት ትግራይ ተወሲኹዋ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ልምዓት ንድሕሪት ተመሊሱ ፀኒሑ እዩ::

ድሕሪ ስምምዕነት ዉዕሊ ሰላም እዉን እንተኾነ ብወረርቲ ሓይልታት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት እታ ወረዳ ንቕድሚት ከይትስጉም ሓሊኾምዋ ፀኒሖም እዮም:: በዚ መሰረት ድማ ሕቶታትን ጠለባትን ህዘቢ ብናይ መንግስቲ ዓቕሚ ጥራሕ ክፍፀም ከምዘይኽእል ዝተረደኣ ነባሪ ወረዳ ኣሕስኣ መበገሲ 6 ሚሊዮን ብር መዋጮ ገይሩ ካብ ማእኸል መሃንዲስ ሰራዊት ትግራይ ዝረኸቦ ናይ ማቴርያልን ሞያዊን ሰብኣዊ ጉልበታዊ ሓገዝ ኣብታ ወረዳ ዝርከባ ጣብያታት ዘራኽብ 40 ኪሎ ሜትር ፀፀር መንገድን ቅድሚ ሐዚ መራኸቢ ዘይነበረን ጣብያታት ኣፅገባን ጣብያ ሃፍተማርያምን ልዕሊ 18 ኪሎ ሜትር ሓዱሽ ቆረፃ ፀፀር መንገዲ ከምዝተሰርሐ ምክትል ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣሕሰኣ ኣይተ ተኽላይ ገብረስላሰ ገሊፆም::

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህንፃ ምምሕዳርን መጓዓዝያን ወረዳ ኣሕሳአ መምህር በርሀ ገብረክርስቶስ ብወገኖም ኣብታ ወረዳ ሕብረተሰብ ምስ ሰራዊት ትግራይ ብምትሕብባር ይስርሑ ዘለዉ መሰረተ ልምዓታት መንገዲ ካብ ዝተትሓዘሎም ትልሚ ዛጊድ 68 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘሙ ዝሓበሩ እንትኾኑ ዝተረፉ ስራሕቲ ንምዉጋንን ካልኦት ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት እታ ወረዳ ክቀላጠፉ ልዑል ትኹረት መንግስቲ ይጠልብ ኢሎም::

ነበርቲ እታ ወረዳ ዝኾኑ ኣይተ ዑቁባንቸኤል ፍስሃን ወ\ሮ ፃድቃን ገብረ ፃዲቕን ህዝቢ እታ ወረዳ ምስ ሰራዊት ትግራይ ብሓባር ብምዃን ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ መንገዲ መጓዓዝያ ኣብታ ወረዳ ዝነብራ ጥኑሳትን ሓራሳትን ካብ ምንግልታዕ ዘድሓነን ኣብ ዕብየት ማሕበረ ኢኮኖሚ እታ ወረዳ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊፆም::

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *